ሓይልታት ትግራይ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ከሲሶም

ዝዓነወት ታንኪ

ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቱ ናይ ታንክታትን ከበድቲ ብረታትን ደብዳባት ከመዝተፈጸመ ኣብ ዝኸሰሉ ዘሎ እዋን ሰብመዚ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ዘተ ንምቅልጣፍ ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ኣብቲ ሎሚ ኣማስዩ ዘውጸኦ መግለጺ ከምዝብሎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብዕለት 9 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ኣብ ከባቢ ደደቢት ዝርከቡ ሓይልታቱ ከምዝተፈጸመ ጠቒሱ።

“ብዕለት 9 ነሓሰ. . . ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ደደቢት ኣንፈት ኣብ ልሙድ ናይ ምክልኻል ተግባሩ ኣብ ልዕሊ ዘሎ ሓይሊ ሰራዊት ትግራይ ካብ ሰዓት 10:00 (4፡00) ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ንሓደ ሰዓት ዝፀንሐ ናይ ከቢድ ብረታትን ታንክታትን ደብዳብ ኣካይዱ ኣሎ” ይብል እቲ ብትግራይ ቴሌቪዥንን ድምጺ ወያነን ዝተዘርገሐ መግለጺ።

ሓይልታቶም ነቲ ዝበልዎ መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ከምዘይብሉ'ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ'ሎ።

ዛጊድ፡ ካብ መንግስትን ሰራዊትን ኢትዮጵያ ነዚ ክሲ ኣመልኪቱ ዝተውሃበ ምላሽ የለን። ቢቢሲ ካብ ዝምልከቶም ሰብመዚ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ’ውን ኣይሰመረን።

እንተዀነ፡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዘተ ንምክያድ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቖመ ሸውዓተ ኣባላት ዝሓዘ ኮሚተ ሰላም፡ “እቲ ዘተ ሰለም ክውን ክኸውን ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ተቐራሪቡ ብዕቱብ ይሰርሕ ኣሎ” ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።

ክልቲኦም መግለጺታት ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓታት እዮም ተዋሂቦም ዘለዉ።

ቅድሚ ሽድሽተ ወርሒ ዝተበጽሐ ተጻብኦታት ደው ናይ ምባል ስምምዕ ስዒቡ፡ ወሃደራዊ ግጭት ሃዲኡ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ኣካላት ፖለቲካዊ ፍልልዮም ብዘተ ንምፍታሕ ተዳልዮም ከምዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

እንተዀነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዘተ ብሕብረት ኣፍሪቃ ጥራይ ክምእዘን እንትደሊ፡ መራሕቲ ክልል ትግራይ ድማ፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ ብሻራዊነት ብምኽሳስ፡ እቲ ዝርርብ ብመንግስቲ ኬንያ ክምእዘን ክሓቱ ጸኒሖም እዮም።

ወሃቢ ቃል ህወሓትን ኣባል ኮማንድ ፖሰትን ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ “ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ብዝተፈላለዩ ኩርናዓት ንውግእ ኣብ ዝትዂቱኽ ተግባራት ተጸሚዱ እንከሎ፡ እቲ ብኣብዪ ኣሕመድ ዝቖመ ናይ ሰላም ኮሚተ ዝበሃል ግን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ናይ ምትላል ጸዋታ ጥሒሉ ኣሎ” ክብል ንመግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትዊተሩ ምላሽ ሂብሉ።

እቲ መግለጺ ወተሃደራዊ ኮማንድ፡ ሕዚ’ውን ብወገን ሓይልታት ትግራይ ንሰላም ቅሩብነት ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እንተዀነ፡ እቲ ተፈጺሙኒ ዝበሎ መጥቃዕቲ፡ “ምዕራብ ትግራይ ብሓይሊ ነጻ ንምውጻእን እቲ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ ቦትኡ ንምምላስን ከምዘገድዶ” ገሊጹ።  

እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተመስረተ ናይ ሰላም ኮሚተ ብወገኑ፡ ነቶም ኣብ ትግራይ ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ንምምላስ፡ "ብቕልጡፍ ምቹእ ኩነታት ንምፍጣር ናይ ተኹሲ ደው ምባል ስምምዕ ምግባር ኣገዳሲ'ዩ" ክብል ገሊጹ።

እቲ ኩናት ብሰላማዊ መንገዲ ንኸብቅዕ ንምዝታይ፡ ዝቖመ ኮሚቴ ሰላም፡ ሎሚ ረቡዕ 11 ነሓሰ 2014 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከም ዘፍለጦ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ዘተ ሰላም ብቕልጡፍ ክጅምር'ውን ሓቲቱ።

እቲ ዘተ ሰላም ዝካየደሉ ቦታን ግዜን ክውሰንን እቲ ዘተ ክጅመርን ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ብቐረባ ይሰርሕ ከምዘሎ’ውን ገሊጹ።

ጌታቸው ረዳ ግን፡ "እቲ ኩነታት ንምድንጓይ እንተዘይኮይኑ ኣብ ሰላማዊ ድርድር ዝኾነ ድሌት የብሎምን" ክብል ኣብ'ቲ ኣብ ትዊተሩ ዘስፈሮ ምላሽ ሓቢሩ።